Back to top

REST Tigrinya

ተረፍ-መረፍ ጓሓፍ

ተረፍ-መረፍ ጓሓፍ ሓደስቲ ነገራት ንምምስራሕ ኣየገልግልን እዩ። ኣምሳያኡ ተቓጺሉ ሙቐትን ኤሌክትሪካዊ ጸዓትን ንምምንጫው እዩ ዝጠቅም።

ተረፍ-መረፍ ጓሓፍ ንምእካብ ዝተዳለወ በርሚል ከም ፓምፐር፡ ሞዴስ፡ ጥሉላት መወላወሊ፡ ስብርባር ብያቲን ኩባያን፡ ከረጺት ናይ ባዶሽ ወጽረዪት ምድሪ-ቤት (ቫክዩም)፡ ከምኡ’ውን ከም ተረፍ ሽጋራን ካልእን ዝኣመሰሉ ነገራት ኪድርበዩሉ ይግባእ።

መርዛምን ሓደገኛን ትሕዝቶ ዘለዎም ጓሓፋት ኣብ’ዚ ተረፍ-መረፍ ጓሓፍ ንምእካብ ዝተዳለወ በርሚል ክድርበዩ ኣይግባእን።